ዜና - BBC News ትግርኛ (original) (raw)

ዜናታት

ሰብመዚ ኢምግረይሽን ደቡብ ሱዳን ትማሊ ሰሉስ ኣብ ክልተ ዝተፈላለዩ ፍጻመታት 17 ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተዉ ራድዮ ታማዙጅ ዝተባህለት ማዕከን ዜና ንሰበስልጣን እታ ሃገር ብምጥቃስ ጸብጺባ። ቅድሚ ሕጂ ልዕሊ 30 ኤርትራውያን ተኣሲሮም ናብ ዓዶም ተጠሪዞም ከም ዝነበሩ ዝሓበረ ሓደ ብዓል ስልጣን፡ "ብዛዕባ እቶም ዝተኣሰሩ ሰባት ምንቅስቓስ ዜጋታቶም ምእንቲ ክፈልጡ ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ክንሕብር ኢና፡" ኢሉ።
15 ጥቅምቲ 2025

ብሰኑይ 3 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም (ግ) ኣብ ከተማ መቐለን ከባቢኣን ዝርከቡ ኣባላት ኣርሚ 22 ብዝብል ዝፍለጡ ኣሃዱ ሓይሊ ፀጥታ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። እቶም ኣባላት ካብ ከባቢ ሰሜን እዝን ኮሌጅ ሕብረትን ብእግሮም ናብ ቤትፅሕፈት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ እዮም ኣምሪሖም ነይሮም። ክሳብ ራብዓይ ደብሪ እቲ ቤትፅሕፈት ብምድያብ ድማ ፕረዚደንት ታደሰ ኣብ ቤትፅሕፈቱ ምህላዉን ዘይምህላዉን ኣረጋጊፆም።
15 ጥቅምቲ 2025

ማናቱ ኩሉ ግዘ ንዓይኒ ቃሕ ዝብሉ (ዝማርኹ) እዮም። ዘይልለዩ ማናቱ ዝካፈልዎም ትፅቢት ዘይግበረሎም ባህርያት ኣየኖት እዮም? ንሕና፡ ንሕና ዝገበረና 'ኸ ተፈጥሮ'ዶስ ኣተዓባብያ?
15 ጥቅምቲ 2025

በኢትዮጵያ ብቻ ሳይሆን በሌሎችም አገራት ከጓደኞች ጋር ምግብ በጋራ በሬስቶራንቶች መመገብ፣ የተለያዩ በዓላትን በማዕድ ዙሪያ ማክበር አሁንም የዓለማችን እውነታ ናቸው። ሆኖም ዓለማችን እየሄደችበት ባለው ከተሜነት እና ግላዊነት ጋር ተያይዞ እነዚህ በማዕድ ዙሪያ የሚደረጉ መሰባሰቦች እየቀነሱ ይመስላሉ። በተለይም ቤተሰብ ተሰባስቦ የመብላት ባህል እየቀረ እንደሆነ የሚጠቅሱ ዘገባዎችም በተደጋጋሚ ሲወጡ ይታያል። ሆኖም ቤተሰብ በማዕድ ዙሪያ መሰባሰቡ የመቅረቱ ጉዳይ የወቅቱ ጉዳይ እንዳልሆነ እና በምዕራቡ ዓለም ቢያንስ 100 ዓመታትን እንዳስቆጠረ ማስረጃዎች አሉ። ማዕድ አብሮ መቋደስ ባህል ብቻ ነው? ወይስ ከዚህ በዘለለ ትርጉምን ያዘለ ነው።
15 ጥቅምቲ 2025

ምኒስትሪ ማይን ጸዓትን ብ3 ጥቅምቲ 2018 (ግ) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ግብጺ ምስ ሩባ ናይልን ግድብ ህዳሰን ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝኸፈተቶ ወፍሪ ኣጠናኺራ ቀጺላትሉ ኣላ፡" ክብል ከሲሱ። ኣልሲሲ፡ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ግብጺ ኣብ ዲፕሎማስያውን ዓለምለኻውን ትካላት፡ "ዝያዳ ድማ ኣብ ሕቡራት ሃገራት" እምነት ምሕዳራ ከም ድኽመት ክውሰድ የብሉን ኢሉ።
14 ጥቅምቲ 2025

ካረን ፕራይስ ኣብ 1981 ክትጠፍእ እንከላ ጓል 15 ዓመት ጥራይ እያ ነይራ። ኽልተ ሰራሕተኛታት ህንጸት ሃንደበት ኣስክሬና እንተዘይረኽቡዎ ነይሮም ክኣ፡ ፈጺማ ኣይተምተረኸበትን፤ ምኽንያቱ ዝደልያ ሰብ ስለ ዘይነበረ።
14 ጥቅምቲ 2025

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤምን ዝካየድ ግጭት ዘበናት’ኳ እንተ ኣቝፀረ፡ ኣብ ክንዲ ዕልባት ዝረክብ ዝያዳ እናተሓላለኸ ንዓለምና ዘሻቕል ጉዳይ ኰይኑ ዘበናት ተቘፂሮም። ንምዃኑ ፍልስጤም ንኽልተ ተኸፊላ፡ ናይ እስራኤልን ፍልስጤምን መንግስታት ንኽምስረት ብኸመይ ተወሲኑ? ሃገር ኣይሁዳውያን ዝዀነት እስራኤልከ ብኸመይ ተመስሪታ?
14 ጥቅምቲ 2025

ዳታ ንምዕቃብ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ብጽሑፍ ጥራይ ኣንብቡ።

ከይሓልፈኩም

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሓባራዊ ምትሕግጋዝን ወፍርን ዘተዀረ ውዕላት ክፍርም ጸኒሑ እዩ። እዞም ውዑላት እዚኦም ኣብ ተግባር ይውዕሉዶ? እዚ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዝተረኽበሉ ምስ ኢጣልያ ዝተገብረ ዳሕረዋይ ውዕል ተግባራዊ ክኸውንከ ጥጡሕ ባይቶ ኣሎ ድዩ? ብዙሓት ዝሓቱዎ ሕቶ እዩ። ኢጣልያ ናብ ኣፍሪቃ ትጥምተሉ ዘላ ምኽንያትከ እንታይ እዩ?
25 ነሓሰ 2025

እቲ ዝበዝሕ ኣፍራዪ ዓቕሚ ሰብ እታ ሃገር፡ ካልኣይ ደረጃ ይዅን ዩኒቨርሲቲ ዝወድአ ከይተረፈ፡ ኣብ ሰራዊት ከቲቱ ብዘይኣድማዕነት ዝጸንሐ'ዩ። በዚ ድማ እቲ እንኮ መዋጽኦ መንእሰያት ኤርትራ፡ ስደት ኰይኑ ጸኒሑን ኣሎን። ብሰንኪ ብሕታዊ ወፍሪ ዘየተባብዕ ፖሊሲ መንግስቲ ድማ ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ክኣትዉስ ይትረፍ እቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንኣሽቱን ማእከሎትን ንግዳዊ ትካላት ብምምስራት ክንቀሳቐሱ ጀሚሮም ዝነበሩ ብዙሓት ሰብ ጸጋ ዜጋታት'ውን ግዳይ ናይቲ ኵነታት ኰይኖም ምስ ገንዘቦም ናብ ስደት ውሒዞም'ዮም።
6 ጉንቦት 2025

እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ህወሓትን ክግበር ዝዕደም ዘሎ ጽምዶ ግን ብምንታይ ዝተደረኸ እዩ? እቶም ኣብ ኵናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ 2020 – 2022 ሓድሕድ ዝተዳመዩ፡ ሕዱር ቅርሕንቲ ዝነበሮም ሓይልታት ስለምንታይ ኣብዚ ግዜ'ዚ ክላፈኑን ክጻመዱን ደልዮም?
24 ጉንቦት 2025

ብሰንኪ'ቶም ካብ ቅድሚ 100 ዓመታት ኣትሒዞም ዝተኻየዱ ተኸታተልቲ ውግኣት ኣእላፍ ሰባት ሃሊቘም፡ ንብረትን ጥሪትን በሪሱ፡ ኣግራብን ዘራእትን ጣሕሲሱ፡ እንስሳ ዘ-ገዳም እውን ፈሊሰን። እንተዀነ፡ ሎሚ እውን ካልእ ህልቂት ከስዕብ ዝኽእል ደበና ኲናት የንጸላሉ ኣሎ።
7 ሓምለ 2025

ገለ ካብኡ ብኣድማ ተጋደልቲ ዝፍለጥ፡ ተቓውሞ 20 ግንቦት 1993፣ ተቓውሞ ስንኩላን ኲናት - ሓምለ 1994፡ ሕቶ ለውጢ ጕጅለ 15 ኣብ - ነሓሰ 2001፡ ሕቶ ለውጢ ወዲ ዓሊን ብጾቱን - 21 ጥሪ 2013፡ ተቓውሞ ኣንጻር ምህጋር ቤት ትምህርቲ ኣልድያእ - ጥቅምቲ 2017 እናተባህለ ክግለጽ ይከኣል።
22 ጥሪ 2025

እቲ ህዝቢ፡ ዘይጽወር ጸይሩ፡ መሪር ስቓይ ተጻዊሩ፡ ብከቢድ መስዋእቲ ዝረኸቦ ናጽነት፡ "ደጊም ስቓይና ተወዲኡ እዩ!" ብምባል፡ ርሁው መጻኢ እናሓለመ፡ ብድሙቕ ፍሽኽታን ሓጐስን'ዩ ዝጽምብሎ ነይሩ። ግን እቲ ሽዑ ዝነበረ ተስፋን ሕልምን፡ ሕጂ ድሕሪ 33 ዓመት ናጽነት ከመይ ኣሎ? እዚ ጽሑፍ'ዚ፡ ንትጽቢትን ክውንነትን ጕዕዞ ሓድሽ ልደት ኤርትራን ውጽኢቱን ክግምግም እዩ።
6 ጥሪ 2025

ኣብ ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዘሎ ጭውያ፡ ቅትለትን ጾታዊ መጥቃዕቲን ኣሰካፊ ደረጃኡ ከምዝበጽሐ ስድራ ግዳያትን ተሓለቕቲ መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ይገልጹ ኣለው። ኣብ መቐለ ኣብ ዝሓለፉ 11 ኣዋርሕ ቅትለት መንእሰይ ዘውዱ ሃፍቱ ሓዊሱ ቅትለት ኣስታት 12 ደቂ ኣንስትዮ ከም ዘጋጠመ ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ንቢቢሲ ኣፍሊጡ።
9 ሓምለ 2024

ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዩቱብ

ታሕጓስ በርሀ: ኣብ ትግራይ ተንብየን ዓብዪ ዓዲ ተወሊዳን ዓብያን:: ኣብ ጎርዞ ዕድመኣ ተደራረብቲ መሰገደልን ብድሆን ኣሕሊፋ። ክልተ ቆልዑ ወሊዳ ንምዕባይ ብዙሓት ረዘንቲ ማሕለኻታት ኣጓኒፍዋ። ነዞም ፀገማት ክትብድህ ናብ ዱባይ ብምኻድ 7 ዓማውቲ ኣብ እንዳ ሰብ ተቖፂራ ሰሪሓ።

ደቡብ ሱዳን - እታ ብዕድመ ዝነኣሰት ሃገር ዓለምና - እቲ ካብ ስርሑ ዝተኣገደ ምክትል ፕረዚደንት ሪክ ማቻር ናይ "ስርዓት ለውጢ" ክግበር ድሕሪ ምጽዋዑ ናብ ሓድሽ ኲናት ሓድሕድ ክትጥሕል ትኽእል እያ ዝብል ስግኣት ክዓቢ ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ።

እቲ 'AI2027' ዝብል ናይ ሳይ-ፋይ ጽሑፍ፡ ወዲ ሰብ ኣብ 2035 ክጠፍእ ምዃኑ ዝግምት እዩ። ቢቢሲ ኤኣይ2027 ኣብ መጻኢ ክፍጠሩ ይኽእሉ'ዮም ኢሉ ዘቐመጦም ግምታት፡ እቲ ኣብ ቅድመና ክህሉ ዝኽእል ትንበያ ጥፍኣት እንታይ ክመስል ይኽእል ዝብል ምስሊ ንምሃብ፡ ኤኣይ ተጠቒሙ ከምኡ'ውን እቲ መጽናዕቲ ዘሕድሮ ዘሎ ጽልዋ ድማ ንክኢላታት ኣዘራሪቡ።

ትንታነ

ንኣብርሃም ህይወቱ ኣብ ዝወሰደ ንደሴታት ናዅራን ጀሚለን ዝመቅል ጸቢብ መትረብ፡ ንፋስ ካብ ምዕራብ ናብ ምብራቕ ወይ'ውን ብኣንጻሩ ኣብ ዝነፍሰሉ ግዜ፡ ማዕበል ከም ወሓይዝ'ዩ ዝመሓላለፈ። እቲ ብውሽጣዊ ማዕበል ዝናወጽ ቦታ ዝፈጥሮ ድምጺ ግን ድሕሪ 19 ዓመት'ውን እንተዀነ፡ ብልዕሊ ድምጺ ኣብርሃም ወጺኡ ክስማዕ ኣይከኣለን።
7 ጥቅምቲ 2025

ከም እምነት ዋቄፈና፡ ፈጣሪ ዅሉ ነገር ኣብ ጥንታዊ ዘመን ካብ ዝነበረ ማይ'ዩ ፈጢሩዎ ተባሂሉ ይእመን። ፈጣሪ ድማ፡ እዚ ማይ 'ታሕተዋይን ላዕለዋይን' ብምባል ኣብ ክልተ ከፊሉዎ ዝብል ኣቶ ኣስናቀ፡ ላዕለዋይ ማይ ኣብ ውሽጢ ህዋ ዝርከቡ ኣካላትን ሰማይን ምኡ እውን ጸሓይን ኸዋኽብትን ይሕዝ።
5 ጥቅምቲ 2025

ዕጡቕ ጕጅለ ሓማስ ነቲ ብፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝቐረበ እማመ ሰላም ቓዛ እወታዊ ግብረመልሲ ዝሃበ ኰይኑ፡ ጅሆ ሒዙዎም ዘሎ ኵሎም እስራኤላውያን ክፈትሕ ተሰማሚዑ። እንተዀነ፡ ኣብ ካልኦት ጉዳያት ናይቲ ብዓል 20 ነጥብታት እማመ ግን ክመያየጥ ሓቲቱ ኣሎ። ፕረዚደንት ዶናልት ትራምፕ ድማ፡ "እዛ ዕለት፡ ዓባይ እያ። ኵሉ ብኸመይ ከም ዝቕጽል ክንርእዮ ኢና። ናብቲ ናይ መወዳእታ ጭቡጥ ቃል ክንበጽሕ ኢና፡" ኢሉ።
4 ጥቅምቲ 2025

ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኣመሪካ ኣባ ኢባን ምስ ሕጹይ ፕረዚደንት እስራኤል ዝነበረ ኣልበርት ኣንስታይን ተራኺቡ ከም ዘዘራርቦ ተገይሩ። እዚ እስራኤላዊ ሊቅ ፊዚክስ፡ ኣዶልፍ ሂትለር ናብ ስልጣን ምስ መጽአን እታ ሃገር ድማ ንኣይሁዳውያን ከተሳድድ ምስ ጀመረትን፡ ካብ 1933 ጀሚሩ ኣብ ኣመሪካ ይነብር ነይሩ።
21 መስከረም 2025

ሰልፈኛታት ጀን-ዚ ኔፓል ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት መንግስቲ ዓልዮም ዓለም ኣዛሪቦም። እቲ ዓወት ግን ብኸቢድ ዋጋ ዝተረኽበ እዩ። ከም ብዙሓት ምንቅስቓሳት መንእሰያት ኤስያ፡ ተቓውሞታት ጀን-ዚ ኔፓል እገለ ዝበሃል መራሒ ዘይብሉ እዩ ነይሩ። መንግስቲ ኔፓል፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘይምምዝጋቦም ጠቒሱ 26 መተግበሪ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክእገድ ድሕሪ ምውሳኑ ተመሳሳሊ ጻውዒት ቀሪቡ ነይሩ።
19 መስከረም 2025

ኣዘራረብቲ ዛዕባታት

ፕረዚደንት ታየ ኣጽቀ ስላሰ ንፓርላማ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ናይ መኽፈቲ መደረ፡ "ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ኣባይን ቀይሕ ባሕርን እትርከብ ሃገር እያ። ናይ መጻኢ ዕድላ ድማ ምስ ክልቲኡ ማያት ዝተኣሳሰረ እዩ፡" ኢሉ። ምኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ብሰሉስ ምሸት ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እቲ ብወገን ኢትዮጵያ ዝተዋህበ መግለጺ ሓድሽ ግጭት ክውልዕ ዝኽእል'ዩ ክብል ነቒፉ።
8 ጥቅምቲ 2025

ኣብ 2014 ኣብታ ሃገር ትሕቲ 500 ሰባት ምስ ኤችኣይቪ ይነብሩ ነይሮም። ኣብ 2024 እቲ ኣሃዝ ናብ ኣስታት 5,900 ደይቡ - እዚ ድማ ዓሰርተ ሓደ ዕጽፊ ወሰኽ ዘርኣየ እዩ። ኣብታ ዓመት እቲኣ፡ ፊጂ 1,583 ሓደስቲ መልከፍቲ ኣመዝጊባ - እዚ ድማ ካብቲ ልሙድ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ማእከላይ ደረጃ ብዓሰርተ ሰለስተ ዕጽፊ ወሰኽ ኣርእዩ።
5 ጥቅምቲ 2025

እቲ ውጥን፡ ወተሃደራዊ ስርሒታት ብቕልጡፍ ደው ክብል ዝእምት ኰይኑ፡ ሓማስ 20 ብህይወት ዘለዉ ጅሆ ዝተወስዱ እስራኤላውያን ሬሳታት ናይቶም ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ሞይቶም ተባሂሉ ዝእመን ልዕሊ 12 ጅሆታትን ብምፍታሕ፡ ምልውዋጥ ብኣማኢት ዝቑጸሩ እሱራት ቓዛውያን ክግበር እዩ ይብል።
30 መስከረም 2025

እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን በዚ ጉዳይ ዝጸንሐ ወጥሪ ሓሓሊፉ ካልኦት ሃገራት እቲ ተፋሰስ ዝጽንበራኦ ኰይኑ፡ ብፍላይ ፕረዚደንት ኬንያ ኣብ ምረቓ እቲ ኣዘራራቢ ግድብ ቀንዲ ጋሻ ኰይኑ ምርካቡ ኣብ ልዕሊ ግብጺ ቍጥዐ ፈጢሩ እዩ።ኬንያ ግን ንምቅርራበን እውን ከም እትጽዕር ኣሚታ'ላ።
26 መስከረም 2025

ኣብቲ ብሰሉስ ዝተዋህበ ብይን፡ እታ ሓጺር ዩኒፎርም ለቢሳ ዝነበረት ተምሃሪት በቲ ዘጋጠማ ኵነታት፡ "ሓሚማን ተጸዪፋን" ከም እትኸውን ዳኛ ቤትፍርዲ ተዛሪቡ። ኣብ ልዕሊ ሓዱሽ ዝቐረበ ክስታት ክልተ ኰይኑ፡ ነታ ቈልዓ ብምስርጣይ፡ ኣብ ጾታዊ ንጥፈታት ክትዋሳእ ብምዕዳሙን ፈተነ ጾታዊ መጥቃዕቲ ምግባሩን የጠቓልል።
24 መስከረም 2025

ደቡብ ሱዳን - እታ ብዕድመ ዝነኣሰት ሃገር ዓለምና - እቲ ካብ ስርሑ ዝተኣገደ ምክትል ፕረዚደንት ሪክ ማቻር ናይ "ስርዓት ለውጢ" ክግበር ድሕሪ ምጽዋዑ ናብ ሓድሽ ኲናት ሓድሕድ ክትጥሕል ትኽእል እያ ዝብል ስግኣት ክዓቢ ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ።
18 መስከረም 2025

ኣብ 2018 ድሕሪ ናይ ዕስራ ዓመታት ኵነተ-ኲናት 'ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን' ዝፈረማ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ዲፕሎማስያዊ ዝምድናአን ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ወሪዱ ምህላዉ ይፍለጥ። እቲ እናተኻረረ ዝኸይድ ዘሎ ምትፍናን ናብ ዘየድሊ ካልእ ዞባዊ ኲናት ከየምርሕ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።
9 መስከረም 2025

ሳይንስን ጥዕናን

መዛነዪ

ዝያዳ ዝተነበ